Watch the full interview here for context.
m.youtube.com/watch?v=fm9k9V…
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና !!!
ሕቶታትናን ዕላማታትናን ብናይ ሓሶት ደለይቲ ለውጢ ተጨውዩ ፣ ሃፍትን ስልጣንን መአከቢ ተገይሩ ኣሎ።
ካብዚ ብዝገደደ ኣብ ሓራ መሬት ተጋዳላይ ብዘይ ፍትሒ ይእሰር ፣ ብዘይ ምሕረት ይውቃዕ ፣ ብፀለመ እውን ንኽዳሃልን ተስፋ ንኽቖርፅን ይግበር ፣ እዚ ድማ ኹሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
ን ሌ/ጀ ፃድቃን ፣ ን ብ/ጀ ወዲ ኣንጥሩን ጉጅለታቶምን ስልጣን መሸቀጢ ኢሉ ዝስዋእ መንእሰይ የለን ክህሉ እውን የብሉን።
ብተወሳኺ ድማ ዝሃለወ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ይሃልወና ፣ ዓድና እንትውረር ምስ ወራሪ ኾይና ዘይኾነስ ምስ ህዝብና ኾይና ሓድነትና ኽነጠንክር ኢና።
ብፆት ፣ ንተኣኻኸብ ፣ ንደራጀው ፣ ንሰጣጠም ፣ ንትግራይና መኸተ ኾይና ተተካእቲ ወለዶ ንኹን።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና !!!
ኣብ ሻለቃን ፣ ኽፍለሰራዊትን ዝርከቡ ኣመራርሓታት ናይ ውሽጥና ፅሬትን ምስጥጣምን ብዝብል ኣጀንዳ ዝተዳለወ መድረኽ ፣ ብምኽትል ግምባር መራሒ ተጋ. ዳንኤል ተኽላይ ሎሚ ዕለት 22 ብደማቕ ሞራልን ሓቦን ተጀሚሩ ኣሎ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና !!!
ኣብ ሻለቃታትን ሓይልታትን ዝግበር ዘሎ ስፖርታዊ ውድድር ብፅቡቕ መልክዕ ይቕፅል ኣሎ።
ካብ ወታደራዊ ስልጠናታት ብዝሓለፈ እውን ኣብ ኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ውድድራት ምስታፍ ንሓድነትና ምጥንኻር ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኣለዎም።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና !!!
ካብ ሌላን ጉሌላን ዝፀረየን ህዝባዊ ዝኾነን ሰራዊት ኣብ ሓራ መሬት ንሃንፅ ኣለና።
ናይ ሓደ ጉጅለ መሳርሒ ዘይኾነ ሰራዊት ብምዃኑ ፣ ካብ ዲያስፖራ ተጋሩን ፣ ፈተውቲ ተጋሩን ብዝተረኸበ ዘየቋርፅ ሃፍቲ ስሩዕ መሃያን በጀትን ተጀሚሩ ኸምዝነበረን ሕዚ ድማ ብዝተጠናኸረ መልክዕ ይቕፅልን ኣሎ።
መሃያን ቐለብን 4,000 + 2,400 = 6,400 ቕርሺ።
ተዓወትን ፣ ለውጢ ፈጠርትን ኢና።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና !!!



