WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF) header
WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF) profile picture

ELF(3 ወገናቔ ህሓ ካቄ ዝሰመራሉ 1ይ ው/áŒ‰á‰ŁáŠ€ 1973-77)፡EPLF(ካቄ 1ይ ው/áŒ‰á‰ŁáŠ€ 1977-3ይ ው/áŒ‰á‰ŁáŠ€ 1994)፡PFDJ(ካቄ 3ይ ው/áŒ‰á‰ŁáŠ€ 1994-ሕጂ) መጾውዒ ናጜነቔ ህዝቱ ኀርቔራ ዘሹጋገጾ መáˆȘሕ ውዔቄ'á‹©áą#EritreađŸ•ŻđŸŽ‰â€đŸȘđŸ‡ȘđŸ‡·

MeteraBelewKelewAdulisQohaito
Joined July 2022
Photo by WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF)Photo by WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF)Photo by WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF)Photo by WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF)Photo by WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF)Photo by WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF)Photo by WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF)Photo by WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF)Photo by WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF)Photo by WarsaŐŸă€Šáˆ€á±đŸ‡ȘđŸ‡·á©á‰šă€‹ŐŸikealo (@WarsayDGF)
ኀሚና ወቔሩ ኣቄ ልቄና! â€ïžâœŠđŸŸđŸ‡ȘđŸ‡·đŸ«
84
110
1,265
ሰሚናር #መኾተ! â€ïžâœŠđŸŸđŸ‡ȘđŸ‡·đŸ«
7
ሰሚናር #መኾተ! â€ïžâœŠđŸŸđŸ‡ȘđŸ‡·đŸ«
6
ሰሚናር #መኾተ! â€ïžâœŠđŸŸđŸ‡ȘđŸ‡·đŸ«
4
ሰሚናር #መኾተ! â€ïžâœŠđŸŸđŸ‡ȘđŸ‡·đŸ«
7
ዘራጊቔ መልክዕ đŸ‡ȘđŸ‡·á‹Š መንነቔን ባህልን! #መንነቔ ካቄ ምሕባንን ምዕቃቄን ገዛኄ á‰°áˆáŒ„áˆźáŠ»'ዩ ዝጅምር፱ ሓንá‰Č áˆ”á‹”áˆ«áĄáŒˆá‹›áŠ„ ምሔላን መልክዓን ወዘተን ቄናይ ካልኊቔ መልክዕን ምሔልን ወዘተን áŠ„áŠ•á‹łá‰°áŒžáˆá‹ˆá‰”áŠ• ሚዓመቔን ምሔ ቔኞይዔ-ሃገር ምዕናው'ዩ! đŸ˜Ąâ€ŠâœïžđŸż
53
'ግዳይ ክመሔል ዝመጻደቕ ምርኡይ ገበነኛ!' #ሰቄ መሰል #ተመን፣ ኣቱ áŠŁáˆ•áˆ˜á‹”-áŠŁáˆ•áˆ˜á‹” ግራኝ!
ርኄሰ ዓንቀጜ ግዳይ ክመሔል ዝመጻደቕ ምርኡይ ገበነኛ! ሔርዓቔ á‰„áˆáŒœáŒáŠ“áĄ ዔሕáˆȘ’á‰Č ንልዕሊ ሰለሔተ á‹“áˆ˜á‰łá‰” áŠŁáŠ•áŒ»áˆ­ áˆáŠĄáˆ‹á‹áŠá‰”áŠ• ግዝኣታዊ ሓዔነቔን ኀርቔራ áŠ­áŒˆá‰„áˆź ዝጾንሐ፡ ቄጜዑቕ ዜናዊ መናፍሕ ዝተሰነዹ ቅሉዕን ዘንቀደን á‰°áŒ»á‰„áŠŠá‰łá‰”áĄ ቄ9 ጄቅምá‰Č 2026 ናቄ ባይቶ áŒžáŒ„á‰ł ውዔቄ áˆ•á‰Ąáˆ«á‰” ሃገራቔ ኣቄ ዝሰደዶ መልኄኜá‰Č፡ ኣቄ ልዕሊ’ታ መበል 182 ኣባል ናይ’á‰Č ውዔቄ ዝዀነቔ áˆáŠĄáˆ‹á‹Šá‰” ሃገር ኀርቔራ ቄወግዒ áŠČናቔ ኹምዝኣወጀ፡ ዝተደቄተሚ áˆ“á‰‚â€™á‹©áą ኄዚ â€œáˆ˜áˆ”áŠźá‰” ባሕáˆȘ ኄንተዘይወነንኩ ሞይተ’ለáŠč” á‹á‰”áˆ•á‹á‰¶áŠĄáŁ á‹áˆœáŒŁá‹Š ጞገማቔ áŠąá‰”á‹źáŒ”á‹« ንግዳም ንምቕናዕ ዝዕላማኡ፣ ሕንኚቔ ዘይቄሉ ምፍርራሕን ምውጄዋጄን ዝዓቄለሎ ዘይናቔካ ናይ ምውራር ዘመተ ግና፡ áŠ•á‹áˆœáŒŁá‹Š ቅልውላው áŠąá‰”á‹źáŒ”á‹« መሊሱ ቄምዕራግ ተወሳáŠș ጾቕጱን ኩነኔን ጄራይ’ዩ áŠŁáˆ”á‹’á‰Ąáˆ‰áą ኹም’á‰Č፡ “ወኻርያ ጻዔቕ ክቔመሔል ዝዋውዕ á‰”áŠŁáˆ”áˆ­â€ ዝበሃል ኹኣ፡ ገበነኛ ኹሎ ግዳይ መáˆČሉ áŠ•áŠœáˆ­áŠ áĄ በá‰Č ንሱ áŠŁáŠ•áŒ»áˆ­ ኀርቔራ á‹áŒˆá‰„áˆź ተዅታዂ á‰°áŒá‰Łáˆ«á‰” ንኀርቔራ áŠ•áˆáŠœáˆłáˆ”áŠ• ንምውንጃልን፡ ኣቄ ሓሶቔ ዝ ተመርኰሰ á‹”áˆ«áˆ›á‰łá‰” ኣቄ ምዔራሔ ተጞሚዱ á‹­áˆ­áŠšá‰„áą áŠąá‰”á‹źáŒ”á‹« ኣቄ ታáˆȘáŠ»áĄ ምሔ ባሕáˆȘ ተዳዊባ áŠŁá‹­á‰”áˆáˆáŒ„áŠ•áą ምሔ ባሕáˆȘን áŠŁáŒˆáˆáŒáˆŽá‰” ባሕáˆȘን á‹á‰°áˆ‹áˆˆá‹šá‰”áĄ ኀርቔራ ቄዘይ ዔሌቔ ህዝባ - ቄዓሎቕ “ጂኩፖለá‰Čካዊ áˆšá‰„áˆ“á‰łá‰” ሓያላን” ቄሔርዓቔ ፈደሚሜን ምሔ áŠąá‰”á‹źáŒ”á‹« ምሔ á‰°á‰˜áˆ­áŠá‰”â€™á‹©áą ካቄ 1952 áŠ­áˆłá‰„â€™á‰Č ኀርቔራ ቄመሔዋኄá‰Č ቄሉጻቔ ደቃ ናጻ ዝወጞቔሉ 1991 - áŠ•áŠŁáˆ”á‰łá‰” 40 á‹“áˆ˜á‰łá‰” áŒ„áˆ«á‹­áą ኄá‰Č ካልኄ ምሔ ቀይሕ ባሕáˆȘ ተኣሳáˆČሩ ዝበሃልን ተባህለ ዝበሃልን፡ ውáŒčኄ áŒœá‹áŒœá‹‹á‹­â€™á‹©áą ኄዚ ሕጂ ዔሕáˆȘ 35 á‹“áˆ˜á‰łá‰” ናጜነቔ ዝሔማዕ ዘሎ áŒ«á‹áŒ«á‹á‰ł “ልኡላዊ áˆ˜áˆ”áŠźá‰” ባሕáˆȘ” á‹”áˆ›áĄ áŠŁáŠ«áˆ áŠŁáˆ”á‹áˆ•á‹áˆ’ ፖሊáˆČ ሔርዓቔ á‰„áˆáŒœáŒáŠ“â€™á‹©áą ናይ ባሕáˆȘ በáˆȘ ንዘይቄላ áŒŽáˆšá‰€á‰”áĄ ወደባታ ካቄ ንግዳዊ ተጠቃምነቔ ኄቔዓáŒč ሃገር ክቔህሉ áŠŁá‹­á‰”áŠœáŠ„áˆáŠ•áą ኄዚ áŠŁáŒˆáˆáŒáˆŽá‰”â€™á‹š á‰„áˆáˆá‹łá‹áŠ• áŠŁáˆ…áŒ‰áˆ«á‹áŠ• áˆ•áŒá‰łá‰”â€™á‹áŠ• áá‰‘á‹”â€™á‹©áą áŠ„áŠ•á‰°á‹€áŠáĄ ኄዚ áˆ•áŒá‰łá‰”â€™á‹šáĄ ኄታ ኣፍደገ ባሕáˆȘ ዘይቄላ ሃገር ካቄን ናቄን áŠ„á‰”áŒˆá‰„áˆź ንግዳዊ áˆáŠ•á‰…áˆ”á‰“áˆłá‰”áĄ áŠ•áˆáŠĄáˆ‹á‹áŠá‰”áŠ• ግዝኣታዊ ሓዔነቔን ናይ’ታ ወናኒቔ ወደቄ ሃገር á‰„áˆáˆáŠŁá‰” ቄዘኜቄር ንግዳዊ ሔምምዓቔ ጄራይ ኚምዝቔግበር ኣነáŒșáˆ­á‹Žâ€™á‹©áą áŠȘንዼኡ ቄምኻዔ - ወደቄ áŠ­á‰”á‹ˆáˆ­áˆ­áĄ መደበር ሓይሊ ባሕáˆȘ ደáŠČንካ ሰንደቕካ ኣቄ á‹˜á‹­áŒá‹áŠŁá‰”áŠ« ኚተንበልቄል ኰነ ሓዔሜ ዶባቔ ክቔጄርር áˆáˆáŒ„áŒŁáˆ­ ግና፡ ጉዳይ áˆáŠĄáˆ‹á‹áŠá‰” ሔለዝዀነ - ቀይሕ áˆ˜áˆ”áˆ˜áˆ­â€™á‹©áą á‰„áˆ…á‹á‰ą á‰°á‰á‰ŁáˆáŠá‰” ዘይቄሎም áˆ”áˆ­á‹“á‰łá‰”áĄ ባዕሎም ጞገማቔ ፈጱሼም áŠšá‰„á‰…á‹‘áĄ ናቄ ካልኊቔ áŠ­áˆ”áˆá‰ áŒĄ ምርኣይ ዘይልሙዔ ኣይኼነን፱ ሔርዓቔ ቄልጜግና ኣቄ ዝሹኾቩ መዔሚኻቔን ኣቄ ዝፈጠሼ áŠŁáŒ‹áŒŁáˆšá‰łá‰”áŠ• ንኀርቔራ ቄምጜላምን áˆ“á‰…á‰łá‰” ቄምዕቄላዅን ግዳይ ክመሔል á‹áŒˆá‰„áˆź áˆáˆáŒœá‹łá‰• ኹኣ፡ ናይ’ዚ áŠŁá‰„áŠá‰”â€™á‹©áą áŠ„áŠ•á‰°á‹€áŠáĄ ኄዚ ኣቄ ሑጻ ዝተሰሹተ ዘመተ’ዚ’ውን፡ ነá‰Č ሓቂን ክዉንነቔን ክሜፍን ዝኜኄል ሓይሊ ዘይቄሉ - áˆáˆ…áˆ™áŠ•â€™á‹©áą
1
1
34
ዘራጊቔ መልክዕ ኀርቔራዊ መንነቔ! ናይ'ቶም ዓበይá‰Č ጞላኄቔና መንነቔ መልክዕ á‰°áˆ‹á‰ąáˆ”áŠ«áĄáŠ•áˆ˜áŠžá‰° $
 ኣቄ ተበርክተሉ ኼነ ወዘተ áŠŁáŒ‹áŒŁáˆšá‰łá‰”áŠ• ዕለታዊ áˆ˜á‰„áˆźáŠ•áĄáŠá‰Č 4 áŒáŠ•á‰Łáˆ«á‰”áŠ“/áŒáˆá‰Łáˆ«á‰”áŠ“(ኣቄ á‹áˆœáŒą ሃገርን ወጻኄን)ሹክላም á‰„áˆáŒá‰Łáˆ­ ምቄካል ክቄሉኻ!😡
44
'ሜውሃቔ ሳይዳ' @Eri-TV መምህር ፍሹወይኒ ገቄሚሂወቔ â€ïžđŸ‘đŸżđŸ‘ŒđŸż
20
ዝርግሐ áŠŁáŒˆáˆáŒáˆŽá‰” ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ኣቄ ሃገርና ዓንዶም ግርማይ (ወá‹Č-ደሚሔ) ሔኄሊፊ ሳልሕ ዓቄደልቃዔር ሳልሳይ ክፋል ቅዔሚ ሕጂ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ኣቄ ሃገርና ኣቄ ውሱናቔ (áŠšá‰°áˆ›á‰łá‰”áŠ• ሓውáˆČ áŠšá‰°áˆ›á‰łá‰”áŠ•) ዝተሓጜሚ’ዩ áŠá‹­áˆ©áą ካቄ ቅዔሚ 2 ዓመቔ ጀሚሩ ግን፡ ኣቄ መላኄ ሃገር ክሔሚሓሉ ጀሚሩ ምህላዉ á‹­áŒáˆˆáŒœáą ኣቄ áŠ«áˆáŠŁá‹­ ክፋል ናይ’ዚ “ዝርግሐ áŠŁáŒˆáˆáŒáˆŽá‰” ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ኣቄ ሃገርና” ቄዝቄል á‰„á‰°áŠžá‰łá‰°áˆŠ ናባáŠčም ኄነቄሎ ዘለና ጜሑፍ á‹”áˆ›áĄ ደሹጃ ቔምህርቔን ቊጜáˆȘን ኣቄ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ተመá‹Čበን ዝርኹባ áˆ˜áˆáˆ…áˆ«áŠ•áĄ ኣቄ áŠŁáˆ˜áˆƒáˆ…áˆ« ዝኜተላኊ áŠŁáŒˆá‰Łá‰„áŠ• ሜላን፣ ቄግሊ ዝውነና ቔካላቔ ቅዔመ-ቔምህርá‰Čን ፖሊáˆČ ቔምህርá‰Č ሃገርናን፡ ወለá‹Č ኣቄ ተማሃሼ ቅዔመ- ቔምህርá‰Č ደቆም ክህልዎም á‹áŒá‰ŁáŠ„ ኣፍልጩን ንቕሓቔን ወዘተ. á‹˜á‰„áˆ­áˆ…áĄ ምሔ ኣቄ ክፍሊ ሓፈሻዊ ቔምህርá‰Č - ጹንፈር ካáˆȘክለም ሚኒሔቔáˆȘ ቔምህርá‰Č፡ ኣወሃሃá‹Čቔ ሔራሕ áŠŁáˆƒá‹± ቅዔመ-ቔምህርá‰Č መምህር ኣበባ ሃቄቶምን ኣባል ናይá‰Č áŠŁáˆƒá‹± ዝኟነቔ መምህር ሚርያም ነጋáˆČን፡ ዝሃባና ሓበሬታ ምቕራቄና ይዝኹር፱ ሳልሳይ ክፋሉ ይሔዕቄፊ ‱ ንሓበሬታ ቄቔምህርá‰Č ዝተዓወታ ሃገራቔ ምርኩሔ á‰„áˆáŒá‰Łáˆ­áĄ ዝለዓለ ደሹጃ ቔምህርá‰Č ዘለዎም áˆáˆáˆ«á‰”áĄ መምህራን ቅዔመ ቔምህርá‰Č ኹም á‹áˆá‹°á‰Ąâ€™á‹© á‹áŒáˆˆáŒœáą ኄዚ ኣቄ ህንጞቔን ምዕባለን áŠŁáŠ„áˆáˆź ሓደ ህጻን ግደኡ á‹•á‹™á‹â€™á‹©áą ኀርቔራ ናቄ ኹምዚ ዓይነቔ áŠŁáŒˆá‰Łá‰„ ንምሔጋር ኄንታይ ይሕሰቄ፧ ኄዚኟ ራኄይ áŠ„á‹©áą ንሓደ ነገር ክቔዕወተሉ ራኄይ’ዩ á‹áŒœá‰ á‹šáŠ«áą ኀርቔራ ኹኣ ንኄሜቶ áˆƒáŒˆáˆ­â€™á‹«áą ዘይኚሓዔ ዔሩቔ ዓቕሚ á‹˜áˆˆá‹‹â€™á‹«áą áŠ„áŠ•á‰°áŠŸáŠáĄ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ኹም ሓደ áŠŁáŠ«áˆ ናይ ኼለጅ ቈይሙ፡ ኼማዊ ሰሚቔ ኄንተ ደኣ áŠŁá‰”áˆ’á‹áŠ“á‹źáĄ ናቄዚ ዝተጠቕሰ ደሹጃ ዘይንሰጋገሹሉ ምኜንያቔ ኄንታይ ኣለና፱ ኣቄዚ ክጄቀሔ ዘለዎ፡ ኹም ሃገር ቄልጫ ዘለና ኱ና፱ ሕቄሚተሰቄና ሓያልን á‰°á‰á‰ŁáˆŠáŠ•â€™á‹©áą áˆ“áŠ•áˆłá‰„ ምሔ áŠŁáŠ•áŠšáˆ”áŠ«á‹ź áŠ•á‰•á‹”áˆšá‰”â€™áˆá‰ áˆ­áĄ ንዔሕáˆȘቔ ዝጄምቔ ኣይኼነን፱ ኣቄ ርኄáˆČ’ዚ፡ ምá‰čኄ ባይታ’ውን ሔለ ዘሎ፡ á‰ á‰„áŒá‹œáŠĄ ምጉሔጓሔ ጄራይ’ዩ ዝደሊ፱ ኣመሓደርá‰Č ምሔ ናይ ካልኊቔ ሃገራቔ á‰„áˆá‹á‹”á‹łáˆ­áĄ ታሕá‰Č ወáˆȘዶም ክሰርሑ ዝኜኄሉ á‹á‰á‹«á‰”â€™á‹źáˆáą ኹምኡ ሔለ á‹áŠŸáŠáĄ ናቄዚ á‹áŒ á‰áˆ”áŠ«á‹ź ደሹጃ ክንሰጋገር ቄወገንና ዘሾግር ዘሎ áŠŁá‹­áˆ˜áˆ”áˆˆáŠ“áŠ•áą ሓቂ’ዩ ምሔ ፊንላንዔ ክንወዳደር áŠŁá‹­áŠ•áŠœáŠ„áˆáŠ• ኱ና፱ ነንበይኑ ደሹጃ ምዕባለ ኄዩ ዘለና፱ ምሔ ሃገራቔ ኣፍáˆȘቃ ግን፡ ልክዕ’ዩ ቄገለ ንበልጾን፡ ቄገለ ዔማ á‹­á‰ áˆáŒ»áŠ“â€™áŠł áŠ„áŠ•á‰°áŠŸáŠ“áĄ ደሚርካ ክርአ ዔማ ተመጣጣኒ ደሹጃ ምዕባለ ዘለና ኱ና፱ ኣቄ áŒžá‰„áŒ»á‰Łá‹Š ጜሑፋቔን áˆȘፖርቔን ግን፡ ንሕና ንነቄሔና ኣቄ ምፍላጄን á‹áˆ°áˆ«áˆ•áŠ“á‹ź ኣቄ ምዝርጋሕን áŠ•áŒĄá‹á‰” ኣይኼንናን፱ ካልኊቔ ሃገራቔ ኣፍáˆȘቃ ቄርግጜ á‹­á‰ áˆáŒ»áŠ“â€™á‹šáŠ•áą ኣቄ áˆ˜áˆŹá‰” ዘሎን ዘዹሎን ወáˆȘቕካ áˆȘፖርቔ ናይ ምግባር ባህሊ ዘለወን’ዹን፱ ‱ ኣቄ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ዝጜንበሩ ቈልዑ ቄዕዔመ áŠ•áŠŁáˆœá‰±â€™á‹źáˆáą ነዊሕ መንገá‹Č ኄናተጓዕዙ ክመሃሩ ዓቕሚ á‹˜á‹”áˆá‹źáˆâ€™á‹źáˆáą ነዚ áŠ•áˆáŒœá‰Łá‰„áĄ á‰„á‰áˆšá‰Ł ካቄ ኹባቱኩም ኹይሹሓቑ ክመሃሩ ዔማ’ዩ ዘለዎም፱ áŠ­áˆłá‰„ ሕጂ ካቄን ናቄን ቀቔ ቔምህርቔን ገዛን ዘሎ ገምጋም ርሕቀቔ ክንደይ áŠȘ.ሜ ይበጜሕ፧ ነዚ ዝግምግም ኣቄ ዝተኻዚዱ áŠŁáŠŒá‰Łá‰łá‰” ምርኩሔ á‰„áˆáŒá‰Łáˆ­ ዝቐሹበ áŒžá‰„áŒ»á‰„áĄ áŠŁá‰„á‹˜áŠ• ኣቄዚ ቀሹባ ኄዋን ዝተኾፍታ ናይ ቅዔመ ቔምህርá‰Č፡ ቈልዑ ካቄ መንበáˆȘ ቀቶም ርሑቕ ኣቄ ዘይኼነ ተጓዒዞም ይመሃሩ ምህላዎም’ዩ á‹˜áŠáŒœáˆ­áą ኣቄ ገለ ርሑቕ ዓዔታቔ ዞባታቔና ዘይምá‰čኄ ኩነታቔ ኣዹር ተወáˆČኜዎ ጾገም ዘለወን ኣለዋና፱ ኣቄ ኹምዚ ኩነታቔ ኄá‰Č ቈልዓ ኄንተ ነውሐ ካቄ ሓደ áŠȘ.ሜ ንላዕሊ ክጐዓዙ áŠŁá‹­áŠ­áŠ„áˆ‰áŠ•áą ኣቄዚ ዔኻም ጄራይ ዘይኰነ ንጄናኊም’ውን áŒœá‰Ąá‰• ሔለ ዘይኼነ፡ ኄዚ ኣቄ ግምቔ ኣቔዩ ቈልዑ ቄዝተኻኄለ ካቄ ኹባቱኩም ኹይሹሓቑ ክመሃሩ’ዩ áŒ»á‹•áˆ­áŠ“áą ‱ ቄዛዕባ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ኱ና ንዛሚቄ ዘለና፱ ኣቄዚ መዳይ፡ ቔሕተ- ቕርáŒșን áˆ˜áˆ°áˆˆáŒ„á‹«á‰łá‰” ምህሼን ኣቄá‰Č ወፍáˆȘ ልዑሉ ግደ á‹˜áˆˆá‹Žáˆâ€™á‹©áą ኄዚኊም ግን ዓበይá‰Č á‰„á‹”áˆ†á‰łá‰” ናይá‰Č መደቄ ምዃኖም’ዩ á‹áŒ„á‰€áˆ”áą ንኾምዚኩም ዝበሉ á‰„á‹”áˆ†á‰łá‰” ንምፍታሕ ዝተታሕዘ መደቄ ኄንታይ ኣሎ፧ ቄወገንና ሓደ ግዜ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ቄዔሆ ክፈቔሕ ይኜኄል’ዩ ዝበልናዼ፡ ሔቔራተጂ ኣዳሊና ነይርና፱ ነዚ ኄቔቄሎ ዘለኻ áˆ“áˆłá‰„ ኣቄእ ቄንáŒčር áŠŁá‰áˆšáŒ„áŠ“á‹ź ኣለና፱ ገለ áŠ«á‰„áŠĄáĄ ሚኒሔቔáˆȘ ዕዼን ማሕበራዊ á‹”áˆ•áŠá‰”áŠ•áĄ ምሔዚ ምዕቡል ግዜን ቄቕዓቔ ናይቶም ቈልዑን á‹áŠžá‹­á‹”áĄ ደሹጃኡ ዝሓለወ ንተማሃሼ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č መነጣጠፊ ዘገልግሉ áˆ˜áˆłáˆˆáŒ„á‹« ኣቕሑ ምህሼ ናይ ምፍራይ ሔራሕ ኚሔፍሖ ኣለዎ á‹á‰„áˆâ€™á‹©áą ኄá‰Č ምንታይáˆČ፡ ወቔሩ ኣቄ ሓደ ተወáˆČንካ ሔለ ዘይንበር፱ ኄቶም ቈልዑ ዔማ ንግቄራዊ መቀላጠፊ ናውá‰Č ምህሼ ቄግቄáˆȘ áˆ­áŠ„á‹źáˆ ክመሃሩ ሔለ ዘለዎም፡ ኣቄዚ ዝተጠቕሰ ክሊ-ዕዔመ ዝበጜሑ ቈልዑ፡ ዝተማሕዹሾ መነጣጠፊ ናውá‰Č ምህሼ ክቕሹበሎም፡ ኹዳሉ ዝኜኄል áŠŁáŠ«áˆ ኄንተሎ’ውን ፍቓዔ ክወሃቩ ክሕሰበሉ á‹˜áˆˆá‹Žâ€™á‹©áą ቅዔመ- ቔምህርá‰Č ኼማዊ ሰሚቔ ኣቄ ዝንጾፈሉ áŠ„á‹‹áŠ•áĄ ሕቄሚተሰቄ ነዚ ተሹá‹Čኡ ባዕሉ ክበላሓቔ ክጅምር áŠ„á‹©áą ኄዚ áŠ­áˆłá‰„ ዝኾውን ግን፡ ናይ ሓባር ጻዕáˆȘ á‹šá‹”áˆŠáą ኄታ áŠ«áˆáŠŁá‹­á‰Č ንቔሕተ-ቅርáŒș ኄቔምልኚቔ ዘልዓልካያ ኣገዳáˆČቔ áˆ•á‰¶â€™á‹«áą ኄዚ መደቄ ክጅምር áŠ„áŠ•áŠšáˆŽáĄ ዋላ በá‰Č ዝጾበበ መልክዑ ይጀምር ተባሂሉ ዝሔሚሓሉ á‹˜áˆŽâ€™á‹©áą ኣቄ ቀጻሊ ቄኞምዚ ዘለዎ ክኞይዔ ማለቔ ግን ኣይኼነን፱ á‰„á‰Łáˆ…áˆȘኩም ቈልዑ ኣቄ áŒžá‰ąá‰„ ቩታን ኹባቱን ክመሃሩ áŠŁá‹­áŠ­áŠ„áˆ‰áŠ•â€™á‹źáˆáą ቄኞመይ ይህነጜ ንሞያውያን ህንጻ ዝግደፍ ኼይኑ፡ ክመሃሩሉ á‹áŒá‰ŁáŠ„ ክፍሊ áŒœá‰Ąá‰• ንፋሔን ቄርሃን á‹áŠŁá‰”á‹ŽáŠ•áĄ ሔፍሓቱ ዔማ ቄውሕዱ 5 ቄ 7 ቔርቄዒቔ ሜተር ክኾውን ኣለዎ፱ ገለ ክፋል ሔርዓተ ቔምህርá‰Č ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ኣቄ ደገ ወáŒșኄካ ዝጜወቔ’ውን ሔለ ዘለዎ፡ ህጻናቔ ግዳም ውጜኄ ኱ሎም ዝጻወቱሉ ጜላል á‹šá‹”áˆá‹źáˆáą ሔለ á‹áŠŸáŠáĄ ንተማሃሼ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ተባሂሉ ዝህንደሔ áˆ…áŠ•áŒ»áĄ á‰«áˆ«áŠ•á‹łâ€™á‹áŠ• ክህልዎ ኣለዎ፱ ነዚ ክዉን ንምግባር፡ ኣቄá‰Č ዓውá‹Č ዝነጄፉ áŠŁáŠ«áˆ‹á‰”áĄ ምሔ áŠ­áŠąáˆ‹á‰łá‰” ሔነ-ህንጻ áŠ„áŠ“á‰°áˆ˜á‹«á‹šáŒĄ ኚማዕቄልዎ ክኜኄሉ ኣለዎም፱ ‱ ሓደ ካቄ ርሑቕ ራኄይ መደቄ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č፡ ህጻናቔ ዝተመጣጠነ መግቱ áŠ­áˆšáŠœá‰ĄáĄ áŠŁá‰•áˆ­á‰Šá‰” ጾባን ኄንቋቚሖን á‹šá‹”áˆŠáą ቄዛዕባዚኞ ኄንታይ ይሕሰቄ፧ áˆáŠ­á‹•â€™á‹©áĄ ዝተመጣጠነ መግቱ (ጾባን ኄንቋቚሖን) ንሓደ ቈልዓ ክንዼ ህንጞቔ áŠŁáŠ«áˆ‹á‰”áĄ ንምዕባለ ሓንጐልን’ውን áŠŁá‹á‹© ኣገዳáˆČâ€™á‹©áą ኹምá‰Č á‹áŒ á‰áˆ”áŠ«á‹ź ቄመንግሔá‰Č ኹምኡ ዓይነቔ áˆ“áˆłá‰„ ምቄጋሱ áŠŁá‹á‹© áŒœá‰Ąá‰•â€™á‹©áą ካቄዚ á‰„áˆá‰„áŒ‹áˆ”áĄ መደቄ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ቄወግዒ ዔሕáˆȘ áˆáŠ„á‹‹áŒáĄ መልáˆČ ናይዚ á‹˜áˆá‹“áˆáŠ«á‹ź ሕቶ ዝርኹቩ፡ áŠ•á‰”áŒá‰Łáˆš ናይዚ መደቄ ዝምልኚቔ ሚኒሔቔáˆȘ ቔምህርá‰Č ምሔ ሚኒሔቔáˆȘ ሕርሻ ምዝርራቄ ተገይሩ áŠá‹­áˆ©áą ኣቄá‰Č ዛዕባ ኣቄ ዓá‹Čá‰łá‰”áĄ ናቄ ሔዔራ-ቀታቔ ዝግበር ዕደላ ደርሁ’ውን ተዘራáˆȘቩምሉ ነይሼም፱ ዛጊቔ ግን ካቄዚ ዘሹባ ሓሊፉ ዝተራኄዚ á‹áŒœáŠąá‰” ዹለን፱ ቄሃውኜ ክቔግበር ዝኜኄል ዘይምዃኑ’ውን áˆáˆ­á‹łáŠ„ á‹šá‹”áˆŠáą ግደ ሚኒሔቔáˆȘ ሕርሻ ኣቄዚ መዳይ ክህሉ ሔለ ዘለዎ ግዳ፡ ኣቄ ዝተናውሐ ክኾውን ተሔፋ ኣሎ፱ ‱ ኄዚ ዝተጠቕሰ ናይ ነዊሕ ራኄይ áˆ˜á‹°á‰„áĄ ቄናይ መን ሓላፍነቔ ዝቔግበር’ዩ ክኾውን፧ መንግሔá‰Č፡ ንኼም ኹምኡ ክሰርሕ መሰሚቔ ኚንጜፈሉ ክኜኄል ኣለዎ፱ ሚኒሔቔáˆȘ ሕርሻ ኹም ኣቄነቔ ምሔ áŠ„áŠ•áˆ­áŠąáĄ áŠ•áŠŁá‰„áŠá‰łá‹á‹«áŠ• ሓሚሔቶቔ áŠšá‰°á‰Łá‰„á‹•á‹ŽáˆáŠ• ክሜልምዎምን ንር኱ን ንሰምዕን ኣለና፱ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č á‹”áˆ›áĄ ዕማም ኼማዊ ሰሚቔ ክህልዎ ንሔራሕ ዝደፍኄ áˆ˜á‰°á‰Łá‰„á‹’ ምግባር á‹šá‹”áˆŠáą ካቄ 2001 áŠ­áˆłá‰„ 2007 ዝነበሹ ግዜ፡ ቅዔመ ቔምህርá‰Č ንምሔፋሕ á‰„á‹á‰„áˆáĄ መንግሔá‰Č ካቄ ባንክ 50 ሚልዼን ናቕፋ ተለቂሑ፡ á•áˆźáŒ€áŠ­á‰” áŠŁá‰ áŒŠáˆ± áŠá‹­áˆ©áą ኣቄá‰Č ሜዑ ግዜ áŠŁá‹”áˆ“áŠá‰” ሞጎጎ፡ ሞተሹ ናይ ማይን ጚቓዊቔን ናይ ምዕዳል ንጄፈቔ’ውን ኚካይዔ ጀሚሩ áˆáŠ•á‰Łáˆ© á‹á‹áŠšáˆ­â€™á‹©áą ካቄዚ á‰„áˆá‰„áŒ‹áˆ”áĄ ዕማም ቅዔመ- ቔምህርá‰Č ንመንግሔá‰Č ጄራይ ዝግደፍ ክኾውን áŠŁá‹­áŒá‰ŁáŠ„áŠ•áą ኹምኡ ምዃኑ ነፍáˆČ- ወኹፍ ዜጋ ክፈልጄ á‹­áŒá‰ŁáŠ„áą መንግሔá‰Č መምርሒ á‹šá‹áŒœáŠ„áĄ መኄተዊ’ውን á‹­áŒˆá‰„áˆ­áą ንኾምዚ ዓይነቔ áŠŁáˆ°áˆ«áˆ­áˆ“ á‹˜áŒŁáŒ„áˆ• ሔልጠና á‹áˆ…á‰„áĄ ቄኞመይ ይሰርሑ áŠŁáˆ”á‰°áˆáˆź á‹áˆ…á‰„áĄ ንመበገáˆČ ዔዩ ንኻልኄ ልቓሕ ዝህቄ ግን፡ መንግሔá‰Čâ€™á‹©áą ኄá‰Č ሚቄሓ ንደቁ áŠ­áˆłá‰„ á‹áŠŸáŠáĄ ኣቄዚ ቄንቕሓቔ áŠ­á‹‹áˆłáŠ„ ዘለዎ áˆ•á‰„áˆšá‰°áˆ°á‰„â€™á‹©áą ኹምá‰Č ሚኒሔቔáˆȘ ሕርሻ áŠ•áŠŁá‰„áŠá‰łá‹á‹«áŠ• á‹áŒˆá‰„áˆź áˆá‰”á‰„á‰Łá‹•áĄ ኣቄ ዕማም ቅዔመ-ቔምህርá‰Č’ውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ሚኒሔቔáˆȘ ቔምህርá‰Č á‹šá‹”áˆŠáą ኄዚ áŠčሉ ቄግቄáˆȘ ክቔርጎም ግን፡ ውህደቔን áˆ“á‰Łáˆ«á‹Š ሔራሕን ሚኒሔቔáˆȘታቔ ቔምህርá‰Č፡ áˆ•áˆ­áˆ»áĄ ጄዕናን ካልኊቔ መሻርኜá‰Čን á‹­áŒ áˆá‰„áą ‱ áŠŁá‰„á‹šáĄ ጄዕና ህጻን ልዕሊ ማንም á‹áˆ”áˆ«á‹•â€™á‹©áą áŠŁá‰„á‰¶áˆ ህጻናቔ ናይ ምርኣይ፡ ምሔማዕን ካልኊቔ áˆáˆ”áŠĄ ተዛሚዶም áŠ­áˆšáŠŁá‹© ዝግቄኊም áˆ˜á‰ŁáŠ„á‰ł ጄዕናዊ ናይ ተፍቔሜ መደቄን ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ኄንታይ ይመሔል፧ ኹምዚ ኣቄ áˆ˜á‰ŁáŠ„á‰ł ቄሔሩዕ ዝካዚዔ ቄቐዋምነቔ ቄመደቄ ይሔሚሓሉ ኄንቄሎ ኣይኼነን፱ ቄልጭ ጄፍኄ ዝቄል á‰°áˆ­áŠ„á‹ź ግን ኣሎ፱ ቄወገንና ንኾምዚ ዓይነቔ ንጄፈቔ ኣቄዚ ዓውá‹Č ዝርኹባ á‹łá‹­áˆšáŠ­á‰°áˆ«á‰” ንውኹሰን ኱ና፱ ሞያውያን ጄዕና ሳሕá‰Č ግዜ ኹም á‹áˆ˜áŒœáŠĄá‹ˆáŠ•â€™á‹© መልሰን፱ ጞገማቔ ጄዕና ኩሉ ግዜ ሔለ ዘሎ፡ ነዚ ዝኹታተል ቔካላዊ áŠŁáˆ°áˆ«áˆ­áˆ“ ሒዙ ክኞይዔ ቄቐዋምነቔ ዝሰርሕ ኣካይዳ á‹šá‹”áˆŠáą ኹመይáˆČ፡ ዕዔመ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ናይ ሓደ ቈልዓ፡ ኄንታይ ዓይነቔ ጄዕናዊ ጾገም ኣለዎ ቄንáŒčር ኄተለልዚሉ መዔሚኜ ሔለ ዝዀነ፱ ‱ ኩነታቔ ጄዕና ህጻናቔ ኣቄ ቅዔመ-ቔምህርá‰Č፡ ደገፍ ሚኒሔቔáˆȘ ጄዕና ኹም á‹˜á‹”áˆá‹ź ንáŒčር áŠáŒˆáˆ­â€™á‹©áą ኄዚ ክዓዝዝን ኣቄ ባይታ á‹”áˆ›áĄ መሰሚቔ ዘለዎ ኼይኑ ክሔሚሓሉን ኄንታይ ይሕሰቄ፧ ኄዚ ንክኾውን፡ ቄፖሊáˆČ ደሹጃ ክሔሚሓሉ ክሕሰበሉ á‹˜áˆˆá‹Žâ€™á‹©áą ውህደቔ ክልá‰Čኩም ሚኒሔቔáˆȘታቔ (ቔምህርá‰Čን ጄዕናን) ዔማ ኄá‰Č ኄንኟ መፍቔሒ ናይዚ á‹˜áˆá‹“áˆáŠ«á‹ź áˆ•á‰¶â€™á‹©áą ኣቄዚ áŠ„áŠ•á‹áŠ­áˆź ዘለና ሚኒሔቔáˆȘታቔ áˆ•áˆ­áˆ»áĄ áŒ„á‹•áŠ“áĄ ቔምህርá‰Čን ፋይናንሔን á‰„áˆ“áŠ•áˆłá‰„ ዝሰርሑሉ ኄዋን áŠá‹­áˆ©â€™á‹©áą ኣቄá‰Č ሜዑ ግዜ ንቘልዓ ዝምልኚቔ ኣቄ ነፍáˆČ-ወኹፍ 3 ወርሒ áŠŁáŠŒá‰Ł ዚካይዱ ምንባሼም ይዝኹር፱ ‱ ዕዔመ ተማሃሼ ቅዔመ- ቔምህርá‰Č፡ ፍሉይ ናቄዟቔ á‹˜á‹”áˆá‹źáˆ (ምሔ áŠŁáŠ„áˆáˆźáŠŁá‹áŠ• ምዕባለኣውን) ዝነቄሩ ቈልዑ ቄቐሊሉ ዝልለዩሉ ዝሓሾ መዔሚኜ ምዃኑ ሞያውያን ይገልáŒč፱ áŠŁáˆƒá‹± ቅዔመ-ቔምህርá‰Č ሚኒሔቔáˆȘ ቔምህርá‰Č ቄዛዕባ’ዚ ኄንታይ ይሓሔቄ፧ ነዚኩም á‹á‰ áˆáŠ«á‹źáˆ ወገናቔ ዝኹታተል ገዛኄ ርኄሱ ዝኾኣለ áŠŁáˆƒá‹± ሔለ ዘሎ፡ ነዛ ሕቶ ኄá‰Č áŠŁáˆƒá‹± ንህልዊ ኔነታቔ ናይዞም ሔንኩላን á‰„áˆá‹áˆ›á‹”áĄ ባዕሉ መልáˆČ ክህበላ’ዩ á‹áˆ“á‹­áˆœáą ይዅን’ምበር፡ ኣቄ ቀጻሊ ኄናተማሕዚሞ á‹áŠžá‹­á‹”áĄ ኣቄዚ ኄዋንን በዚ ዘለና ደሹጃን 35 áŠ­áˆłá‰„ 40 ተማሃሼ ዝሓቘፈቔ ክፍሊ፡ ቄውሕዱ ክልተ ምሔ áŠŁáŠ„áˆáˆźáŠŁá‹áŠ• ምምዕባላኣውን ሔንክልና ዝነቄሩ ቈልዑ ክሳተፉ á‹á‰„áˆâ€™á‹©áą ይቕጜል 
 #Eritrea
27
ቄጞይá‰Č ሓዔነቔ ቀለታ! đŸŒč❀ đŸ«ĄâœŠđŸŸđŸ‡ȘđŸ‡·đŸ«
12
17
105
ዋዕሼ ኀርቔራዊቔ #መራሒቔና-ሓላፊቔ ህዝባውን ኼማውን áˆ­áŠ­á‰Łá‰” #áŠ€áˆá‰ŁáˆČ ኀርቔራ ኣቄ #ኣሜáˆȘካ- ክቄርá‰Č #ሓዔነቔ_ቀለታ ! ❀It #ሓዱ! ኀርቔራዊ ግርማ ምሔ ጅግንነቔ! ❀đŸŒčđŸ«ĄđŸ‡ȘđŸ‡·đŸ«âœŠđŸŸ
1
42
52
215